05 August 2020 DALA ቅልዕቲ መልእኽቲ ናብ ማህበር የሕዋት ኣግኣዝI

ብቀዳምነት ዕዙዝ ሰላምታና ይብጻሕኩም ::
 ዕላማ ትሕዝቶ ጽሕፈትና አብ ሞንጎ ሕዝብታት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ አብ ሞንጎ ሕዝብታት ኤርትርና ብፍላይ
ብዛዕባ ክህሉ ዝኸእል ድህነት ስለዘሰክፈና ነባራዊ ሰላምን ርግኣትን ዝመልኣ ሃገር ብሓባር ንምውሓስ 
ምእንቲ ክከኣል ዜጋታት ሃገረ ኤርትራ ሓባራዊ መረዳእታ ንክህልወና አገዳሲ ኮይኑ ይስምዓና.
 ካብዚ ሓባራዊ መረዳእታ ብምብጋስ ሕዝብታት ኩናማን ናራን ሓባራዊ መርገጺ ብምዉሳድ ነዚ ብኣግኣዝያናዊ
ዝብል ስነሓሳብ ሒዙ ኣንጻር ሕዝቢ ኤርትራ መርዛምን ሓደገኛን ጎስጓስ ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ጉጅለ ብሕዉነታዊ
ምኽሪ ዓገብ ክንብል ንግደድ አለና.

እዚ ስነ ሓሳብ ኣግአዝያን ካብቶም ጠገለ ዘይብሉ አኽራሪ ብምዃኑ ብዘይካ እቲ ናቱ ስነሓሳብ ንካልኦት ዘይጻወር
ብምዃኑ ንዝኾነ አካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ንሕስያ ከጥቅዐ ጸኒሑ.
 ካብቶምብ ሓደገኛን ኣስጋእቲ ንብሎም ገለ ንምጥቃስ፤
ሀ. ሃይማኖታዊ ኣኽራርነት :
   ኣብ መፈለምታ ናይቲ ምንቅስቃስ ኣጋዝያን ሓላፍነት ብዝጎደሎን አብ ታሪኽ ኤርትራ ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘፍለጥ ጸረ 
ሃይማኖታት ኤርትራ ተጎስጒሱ.ከም ኣብነት ብተፋጽዮን ዝቀርብ ዝነበረ መደባት ንኣስላማይ ክሳዱ ብሴፍ እንዳ ቐንጸልና" :
ወይውን ኣኪብና ኣብ ሓደ መዓስከር ( concentration camp ) ዳጉንና ከነብሮም ኢና ዝብሉ መደረታት ::ከምኡውን
ንተኸተልቲ እምነት ካቶሊኽን ከኒሻን ዝኾኑ ብሄረ ትግርኛ  ክጽሉን ክጠፉኡን ከምዘሎዎም ገርካ ምጉስጓስ.
ለ. ገባትን ኣግላሊን ሰነሓሳብ :

እዛ ሃገረ ኤርትራ ብናይ ብዙሓት ብሄረሰባት ሓባራዊ መሪር ቃልስን መስዋእትን ዝመጸት ኮይኑ: ሓደ ካብቲ ሓደ ብዘይበልጽ
ንኹልና ብማዕረ ትብጽሓና : ይኹን እምበር መንበሪ ገዛ ናይ ኩለን ብሄራት ኤርትራ ምዃና ድሮ ተረሲዑስ: ኣብ ክንዲ  ኣብ
ብዙሕነት  ምእማን ተሪፉስ : ብሓንቲ ብሄር ብሄረ ኣግኣዝያን ጥራይ ከም እትውነን ጌርካ ብምጉስጓስ: ሳሆን ዓፋርን
ሶማላዊያን እዮም፤ ህዳርብን ቤንዓምርን ሱዳናዉያን እዮም:ኩናማ ካብ ዳርፎር መጺኦም: ብሌን ኣገው እናበልካ
መስል ድቂኣባትነቶም ገፊፍካ: ካብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣገሊልካ : መሬቶም ንምግባት ዝግበር ዘመተታት ምክያድ:
ትማሊ ምሳኻ ኣብ ጎድንኻ ተሰሊፉ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገር ዘምጸኤ : ዳግማይ መሊሱ ዶባታ ብመስዋእቲ ዘውሓሰህዝቢ:
ጌና ናይ ትማሊ ቁስልና ከይሓወየ : ሎሚ ተገምጥልካ ምስቲ ደመኛና ዝነበረ ወጊንኩም : አንጻር የሕዋትኩም ደው ምባልኩም :
ዘሕንኽ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነ ካብዚ ዝኸፍአ ክሕደትን ጥልመትን ኣብ ዓለም የለን ኣይተርኣየን ::

ሐ. ሉእኡላውነት ሀገር ዘይምኽባር
  እቲ ቀንዲ ውሽጣዊ ኣጀንዳታትኩም ብዙሕ ዘይፍለጥ እንተኾነዉን፤ ግን ካብቲ ኣብ መደረታት እንሰምዖ
ካብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተጋሩ ናብ ኤርትራ እናምጻእኻ ነቶም ካልኦት ሕብረትሰባት ኤርትራን ምዕብላልን ምውሓጥን
 ዝዓለመ   ንምስምዑ ዘስደምም ስብከታት እዩ.ሃገረ ኤርትራ ብሓባራዊ ቓልሲን መስዋእቲን ደቃ: ከምኡውን እወ
ንናጽነት ብዝብል ሓባራዊ ድምጺ ህዝቢታታ ዝመጸት ሉኡላዊት ሃገር እያ :ተጋሩ ኸኣ ወላ ሽሕኴ ተዛረብቲ ትግርኛ ይኹኑ
እምበር ኢትዮጵያውያንኮይኖም ብኢትዮጵያውነቶም ዝኾርዑን ዝሕበኑን ኣህዛብ እዮም :ከም ጎሮባብቲ ሃገራት መጠን :
 ተኸባቢርና ብሰላም ክንነብር ሰናይ ድሌታትት ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዝኾነ ንኣምን :
ብኣገባብ ውዕላትን ስምምዓትን ክልቲኦም ህዝብታት ኸኣ ንሓባራዊ ጥቕሚታት ክንሰርሑ ነውሪ የብሉን ::
ካብዚ ሓሊፉ ግን ዕላምኡ ንጹር ዘይኮነ ሽርሒን ተንኮልን ዝመልኦ ኣጀንዳ 
 ሒዝካ ዘይሕጋዊ ናይ ሕዝብታት ሰፈራ ምግባር ብሕጊ የሕትት እዩ.

መ. መደረ ምንሻውን ምንእኣስን ሕዝብታት ኤርትራ
ሰውራ ኤርትራ አብ ቆላታት ኤርትራ ጀምሩ አብኡ ተወዲኡ.ብፍላይ ምዕራባዊ ቆላታት ንሳላሳ ዓመት ዓውደ ኩናት ብምጽንሑ
ዕድል ናይ ትምህርቲ ይኹን ካልእ ናይ መዕባለ ንጥፈታት ኣይጸንሐን.ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኮይኑ ብዶብ ታሳቢቡ ዝተወለዐ
ደማዊ ኲናትዉን አብ መሬት ኩናማን ናራን ኮይኑ ናይቲ ብርሰት በሰላ ክሳብ ሕጂ አይሃሰሰን.ጉጅለ አግአዝያን ነዚ ሕሰም
ህዝብና ከም ድኽመት ቆጺሩ ቀቢላ፤ ዕንዳ፤ሰሓብቲ ግመል እናበለ ከናሹን ከላግጽን ጸኒሑን አሎን.

      መደምደምታ                                   

 አብ መጨረሻ ክንብሎ እንደሊ ሕዝብታት ኤርትራ  ብዓሌት ይዂን ብሃይማኖት ከይተገራጨወ ብፍቅርን ስኒትን ዝነብር ክቡር 
ሕዝቢ እዩ. እዚ ኸኣ ተፈጥሮኣዊ ኤርትራዊ ጸጋ እምበር ሰብ ዝገበሮ ስለዘይኮነ ብቀሊሉ ዝፈርስ ኣይኮነን.
ኣብ ሃገርና ዘሎ እንኮ ጸገም እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ህግደፍ ኮይኑ ንሕዝቢ ኤርትራ በኣልማማ የሳቅዮ ኣሎ.
ካብዚ ናይ ህግደፍ ኣደራዕ ክንገላገል ኣብ መሪርን ጽንኩርን ኩነታት ንርከብ.ስለዚ አባላት ምንቅስቃስ የሕዋት ኣገአዝያን 
 ጥንታዊ ስርዓተ ክብርታት፤ባህልታትን ስልጣነታትን ኣብ ምዕቃብ እትገብሩዎ ጻዕሪ ዝነኣድ እዩ.ግና እቲ ዘሎን ዝነበረን
ስርዓተ ክብርታት ይኹን ስልጣነታት ናይዚ ከባቢ ህዝቢ እምበር ናይ ኣገአዝያን ወይ ናይ ትግርኛ ጥራሕ አይኮነን.ዝበለየን
ሓደገኛን ስነ ሓሳብ ሕዝካ ኣብ ዕዳጋ ወጺእካ ቅተሎ ሕረዶ ሳዕቤኑን ሓላፊነቱን ከቢድ ስለዝከዉን ካብዚ ዘይየዋጽእ 
ጎደና ክትምለሱ ንላቦ.እቲ ንቃለሰሉ ኣለና እትብሉዎ ሕዝቢ ትግርኛ ኣብ ኤርትራ ትግራይን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሙሉእ ዓለም 
ፋሕ ኢሉ ብሰላም ሰሪሑ ይነብር አሎ.ስነ ሓሳብ ኣገአዝያን ነዚ ኣብ ፎቆዱኡ ፋሕ ኢሉ ዝነብር ሕዝበ ትግርኛ ኣብ ከቢድ
 ሓደጋ ከእቱዉን ስለዝኸእል ሰላም ክትህቡዎ ደጊምናን ደጋጊምናን ንላቦ.

ካብ የሕዋት ብሄራት ኤርትራ ኩናማን ናራን